"ደንበ ፀላኢ በጣጢሳ ዘምለጠት ዘይተዘመረላ ዋዕሮ!"
Plot Media-ፕሎት ሚድያ Plot Media-ፕሎት ሚድያ
33.3K subscribers
81,166 views
4.4K

 Published On Jun 28, 2024

ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ከባቢኣ የብፅሖ ዝነበረ ግፍዒ ኣስካሕክሓ። ኣብ ጎረቤታ ንሓንቲ ወላዲት እንኮ ውላደን መንዚዑ እንትርሽኖ ርእያ ስና ነኸሰት። ናብ መረብኣ ኣትዩ ንሓንቲ ቤተሰባ እንትርሽና ሓረነት። ንወዲ 1 ዓመት ህፃን ወዳ ብእግሮም ረጊሖም ምስ ወቕዑላ ድማ ከም ነብሪ ንሂራ ተጋደለት። ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውደ ውግእ ብጅግንነት ተዃሺሓ ክሳብ መራሒት ጋንታ በፀሐት። ክልተ ግዜ ተማሪኻ ብተኣምር ወፂኣ። ዝማረኻ ድማ ወገነይ እትብሎ ትግራዋይ ምዃኑ ይገርም። ጎናጎኒ ውግእ ብፆታ እናሓከመት ካብ ሞት ኣድሒና እያ። ህይወታ ዘድሐነ ብፃያ ኣብ ዝባና ተሰዊእዋ ብኸቢድ ቃንዛ እናነበዐት ትዝክሮ። እዛ መደምም ዝኾነ ከምዚ 'ውን ኣሎ ድዩ ዘብል ታሪኽ ዝወነነት ዋዕሮ ተጋዳሊት ኢየሩሳሌም ገብረሚካኤል ትብሃል።

show more

Share/Embed