Menfesawi Getmi-Merho Semayat
ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ሚኒሶታ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ሚኒሶታ
19.8K subscribers
873 views
43

 Published On Dec 10, 2019

Getmi-

ሕጂ በዓንተቦ ግዜ ከሎካ
ከይመለቀ ከይወጸ ካብ ኢድካ
ኣይትዓሹ ሕሰብ ንሂወትካ
ኣይትረስዕ እግዚኣብሄር ኣምላክካ
ብዘይካኡ የለን መድህን ዝኮነካ

ነባሪ ኣይኮነን ከምዚ ዘለካዮ
ነገር ሰጋ ሓጢኣት ኣርሒቅካ ደርብዮ
ሞት ኣተርፍን ድለዮ ኣይትድለዮ
ኣብ ክንዲ ሂወትካ እንታይ ከትፍድዮ
እቲ ቅዱስ መጽሑፍ ዝብለካ ስምዓዮ

ኩሉ ግዜ ዘክር እግዚኣብሄር ኣምላክካ
ካልእ ኣምላክ የልቦን ንሱዩ ናትካ
መራሕ መንገድካ ቀዳሲ ሕይወትካ
ንሕጉን ትእዛዙን ሕዘን ደኣ ኣጽኒዕካ
ካባካ ኣይትፍለየን ከም ማዕተብ ክሳድካ

ዓለም ኣይናትካን እያ ብዙሕ ኣይትብሃጋ
ሰቢሑ ኢልካ ኣይብላዕን ዘይሓረድካዮ ሰጋ
ነዛ ዓለም እዚኣ ምፍቃር ኣለዎ ሓደጋ
መሰቀልካ ተከተል ንዓኣ ሕደጋ
ድሓር ከይትከውን ኣይዋጋ ዕዳጋ

ኣምላክ ክተስምር እንተደኣ ደሊካ
ቂም በቀል ግደፍ ኣፍቅር ንሓውካ
ፍልልይ ኣይትግበር ሃብታም ኢልካ ድካ
ንኩሎም ኣፍቅሮም ሓደ ከይፈለካ
ብናይ ፍቅሪ ጨው ይመቅር ልብካ

show more

Share/Embed